ናይ መጀመርታ ፍቕርኻ ንኣምላኽ እንተሲኢንካያ ኣበይ ትደልያ ፣
ናይ መጀመርታ ፍቕርኻ ንኣምላኽ እንተሲኢንካያ ኣበይ ትደልያ ፣
**********
ራእይ ዮሐንስ 𝟐:𝟒
ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ።
ናይ ኣምላኽ ሰብ ዋች ማኒ ኣብ ሓንቲ ካብ መጻሕፍቱ ነዛ ነታ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ ሓዲግካያ ኢኻ እትብል ሓሳብ ኣልዒሉ ክአም'ዚ ክብል ሓንቲ ምሳሌኣዊት መብርሂ ሂቡ ኣሎ ንዓኣ ከም መብገሲ ገይረ እንበኣር ሓሳበይ ክጅምር ፡-
ሓሳቡ ክጅምር እንከሎ ዋችማኒ ነቲ መጀመርታ ንጐይታ ከም መድሓኒ ኣብ እንቕበሎ ግዜ ንዘሎ ፍሉይ ፍቕሪ ኣምላኽ በዚ ዝስዕብ መንገዲ ይገልጾ
ንሓደ ሰብ ዘይተጸበዮ ብዙሕ ዝመጠኑ ገንዘብ ብሎቶሪ ይበጽሖ ንበል ይብል ዋችማኒ ።
እዚ ኣዝዩ ድኻ ዝነበረ ኣብ ቅድሚኡ በዚ መንገዲ'ዚ ኪሓልፈለይ ኢዩ ኪብለሉ ዝኽእል ዋላ ሓንቲ ነገር ዘይነበሮ ድኻ ሰብ ፡-
ሓደ መዓልቲ ከም ገለ ክብል ዝቆረጻ ዕጫ ሎቶሪ ናብኡ በጸሔት ንበል እቲ ሰብ ኣዝዩ መጠን ዘይብሉ ሓጐስ ከምዝሕጎስን ዋላውን ካብ ምሒር ሓጎስ ዝተላዕለ ከም ዑቡድ ከም ዝስራሕን ኣዝዩ ፍሉጥ ነገር እዩ ።
ስለ'ዚ ኣብ'ቲ መጀመርታ ንጐይታ ኣብ ዝረኸብናሉ እዋናት ዝስምዓና ፍቕሪ ፡ ሰላም ፡ ደስታ ፡ ምስኡ ተታሓሒዙውን ዝመጽእ ናይ ምስጋና ፡ ፍቕሪ ጸሎት ፡ ፍቕሪ ቃል ፡ ፍቕሪ ኣሕዋትን ፡ ናይ ምግልጋልን ምእዛዝን ህይወት ዓሚቕ ምዃኑ ይገልጽ እሞ ሓደ ሕቶ ከምዚ ክብል የልዕል ።
እቲ ሎቶሪ ዝበጽሖ ሰብ ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ማለት ገንዘቡ ተቐቢሉ ናብርኡ ኣብ ዝትአቀይረሉ ሰዓት እቲ ሓጐስ ዋላ ሙሉእ ብምሉእ እኳ ኣይኹን እንበር እቲ ስምዒታዊ ነገሩ ማለት እቲ ባህታን ሓጐስን እና ጐደለ ኪኸይድ ባህርያዊ እዩ ይብል ።
ብኡ መንጽር ድማ ሓደ ኣማኒ ኣብ ጐይታ ግዜ እናቆጸረ ብዝኸደ መጠን እቲ ስምዒታዊ ፍቕሪ ይጎድል እሞ ሽዑ ኣብ ዝአይርድኦ ከቢድ ቅልውላው ናይ መንፈሳዊ ምድረበዳነት ይኣቱ እዚ ዚኾነሉ ምኽኒያት ድማ ነቲ ንጎይታ ዝነበሮ ስምዒታዊ ፍቕሩ ስለዝሰኣኖ እዩ ። ከይተረድኦ ንጎይታ ከምዝሓደጎ ወይ ኣብ ገለ ሓጢኣት ከዝወደቐ ወዘተ ይስምዖ ድሕሪ ምባል ይብል ዋች ማኒ ።
ኮይኑ ግን ይብል እቲ ሎቶሪ ዝበጽሖ ሰብ ነቲ ስምዒታዊ ሓጎሱ ስለዝጎደለስ እቲ ብሎቶሪ ዝበጽሖሞ ናብራኡ ዝቀየረሉ ብዙሕ ገንዘብ ኣጥፊኤዮ ኢሉ ክሓስብ ኣይክእልን ።
ስለዚ እቲ ኣማኒ ውን ብኡ ምአንጽር ብዛዕባ'ቲ ብክርስቶስ የሱስ ዝተቐበሎ ህይወትን ዝደሓኖ ምድሓንን ፍጹም ክጠራጠር የብሉን እዚ ዝኾነሉ ምኽኒያት ካብ ስሚዒታዊ ክርስትና ወጺኡ ኣብቲ ብቃል ኣምላኽ መሰረት ዘሎ ኪዳን ብእምነት ኪስረት ስለ
ዝግብኦ እግዚኣብሄር ኮነ ከምኡ ዝገብር ይብል ።
እዛ ናይ ዋችማኒ ሓሳብ ቅድሚ ነዊሕ ዓመታት ካብ ዘንበብኩዎ ትዝ ኢሉኒ ዝጠቀስኩዎ ሓፈሻዊ ሓሳብ እንበር ቃል ብቓል ተርጒመ ኣይኮንኩም ጠቂሰዮ ዘሎኹ እሞ ምናልባት ነታ መጽሓፍ ዘንበብኩም ሰባት ቃል ብቃል ከምኡ እንተዘይረኸብኩምዋ እቲ ዋና ነገር እቲ ሓሳብ ንምጥቃስ እንበር ዓላማይ ምትርጓም'ታ ጽሕፍቲ ስለዘይኮነት ኣቀዲመ ይቕረታ እሓትት ።
ናብ'ታ ኣርእስትና ምስ እንምለስ እንበኣር ነታ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ እንተሲእንካያ ኣበይ ትደልያ ዝብል እዩ ።
ብመጀረርታ ደረጃ እዛ ቀዳመይቲ ፍቕርኻ እትብል ከም ርድእቲ ወሲድናውን ንዛረበላ ዘሎና ፍቕሪ ጎይታ ናበይ ስለ እትኸይድ ኢና ንስእና ዝብል ሕቶ ምልዓል ብርግጽ ቀሊል ሕቶ ስለዘይኮነ ንኹሉ ብዝድህስስ መልክዑ ኣብ'ዛ ንእሽቶ ሕጥቦ ብዙሕ መልሲ ምሃብ ከምዘይከኣል ከም ርዱእ ወሲድና ንግዜኡገለ ነጥብታት
ኣልዒልና ንዘራረብ ብመሰረት እዛ ንማሕበር ኤፌሶን እተጻሕፈት ሓሳብ እንተወሲድና ነዛ ሓሳብ ኣብ ክልተ ኣርእስቲ ከፊልና ንርኣያ 𝟏ይቲ እታ ፍቕሪ ከመይ ኢላ ትሕደግን 𝟐ይቲ እታ ፍቕሪ ከመይ ኢላ ትቕጽልን ትምዕብል ዝብል ኪንርኢ ኢና ።
ኣብ ማሕበር ኤፌሶን ጎይታ ነታ ፍቅሪ ሲኢንዋ እዩ ስለ'ዚ ኪትጠፍእ ትኽእል እያ ማለት እዩ ። ስለዚ ብቀዳምነት እንሪኦ ምሕዳግ እታ ፍቕሪ እዩ ።
𝟏, ምሕዳግ እታ ፍቕሪ
******************
እቲ ዘገርም ነገር በቲ ንጎይታ ኢሎም ዝገብርዎ ብዙሕ የሱስ ባዕሉ ከምዘሎዎም ሓደ ብሓደ ጠቂሱ ዝመስከረሎም ነገራት እንተሪኻዮም እታ ፍቕሪ ሓዲጎምዋ ኪትብል ኣይትኽእልን ኮይኑ ግና እቲ ልብን ኩላሊትን ዝምርምር ጎይታ ሓዲግኪምዋ ኢሉ ካብ ዘለፎም ብርግጽ ሓዲጎምዋ እዮም ነይሮም ስለዚ ኣይኮነን ንዓና ብዝፍለጠና ልብና እናነቀፈናን ሕልናና እናመስከረልናን ብቃልን ብግብን ኣርከራሪና ከሎና ኣሎና ክንብልስ ነዞም ከመይ ዝበለ መንፈሳዊ ብቕዓትን ብስለትን ኣገልግሎትን ንዝነበራ ማሕበር እዃ ከይተረፈ እዚ ካብ በላ ስለዚ ኩልና ህድእ ኢልና ርእስና ምፍታሽ የድልየና እዩ ።
ኣብዚ ነዛ ቀዳመይቲ ፍቕሪ ዘጥፍኡ ክልተ ጫፋት እንበኣር
ሀ. ብዝሒ ኣገልግሎት ክትክኣ ምፍታን ንፍቕሪ የጥፍኣ
************"*"****************
ራእይ ዮሐንስ 𝟐:𝟐
ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን፡ እፈልጥ አሎኹ።𝟑 ትዕግስቲ ኸኣ አሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን
ካብዛ ጥቕሲ ከም እነስተውዕሎ እዛ ማሕበር ብዕዮ ጎይታ ኣዝያ እትነጥፍ ዝነበረት እያ ይኹን እንበር መንፈሳዊ ንጥፈታትና በቲ ጎይታ ዝደለዮ መንገድን መጠንን ኪምእዘን እንተዘኪኢሉ ዘይተደልየ ሽግር ኬምጽኣልና ይኽእል እዩ ።
ለ . ትህኪትን ሸለልትነትን ንፍቕሪ የጥፍኣ
*********************************
𝟐ይ ጴጥሮስ 𝟏:𝟕
ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። 𝟖 እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
ኣብዛ እትስዕብ ናይ እንግሊዘኛ ትርጉም ነዛ ፍርሃት እግዚኣብሄር እትብል
𝐚𝐫𝐚𝐦𝐚𝐢𝐜 𝐛𝐢𝐛𝐥𝐞 𝐢𝐧 𝐩𝐥𝐚𝐢𝐧 𝐞𝐧𝐠𝐥𝐢𝐬h
𝟕 𝐛𝐮𝐭 𝐮𝐧𝐭𝐨 𝐭𝐡𝐞 𝐰𝐨𝐫𝐬𝐡𝐢𝐩 𝐨𝐟 𝐠𝐨𝐝, 𝐭𝐡𝐞 𝐚𝐟𝐟𝐞𝐜𝐭𝐢𝐨𝐧 𝐨𝐟 𝐭𝐡𝐞 𝐛𝐫𝐨𝐭𝐡𝐞𝐫𝐡𝐨𝐨𝐝, 𝐛𝐮𝐭 𝐮𝐧𝐭𝐨 𝐚𝐟𝐟𝐞𝐜𝐭𝐢𝐨𝐧 𝐨𝐟 𝐭𝐡𝐞 𝐛𝐫𝐨𝐭𝐡𝐞𝐫𝐡𝐨𝐨𝐝, 𝐥𝐨𝐯𝐞
ስለዚ ንኣምላኽ ምምላኽ ተተርጒማ ንረኽባ ስለዚ ንኣምላኽ ዘይምምላኽን ንቕዱሳንን ንኹሉ ሰብን ዘይምፍቃርን ንምፍላጥ ጎይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካይን ዘይተፍርን ክትኸውን ይገብረካ ማለት እዩ ።
𝟐. ምምዕባል እታ ፍቕሪ
*******************
𝟐ይ ጴጥሮስ 𝟏:𝟖
እዚ ነገርዚ እንተ ኣሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።
ሀ. ብፍልጠት ምዕባይ
******************
ንጐይታና የሱስ ክርስቶስ ብዝፈለጥካዮ መጠን ኢኻ እተፍቕሮ ኩሉ ምሕረቱ ፍቕሩ ለውሃቱ ኮታ ኩሉ ባህርያቱ ብዝተረደኣና መጠን ኢና እነፍቕሮ እዚ ሓቂ እዚ ባህርያዊ እዩ ።
ዋላ ብዓለማውዊ ኣባህላውን ፍቕሪ ካብ ምልምማድ እዩ ዝመጽእ ይበሃል እዩ ።
ፊሊጲ 𝟏: 𝟗-𝟏𝟏
ንኽብሪ ኣምላኽን ምስጋናኡን እቲ ብየሱስ ክርስቶስ ዚርከብ ፍረ ጽድቂ መሊእኩም፡ ክሳዕ እታ መዓልቲ ክርስቶስ መዓንቀፊ ዜብሎምን ንጹሃትን ምእንቲ
ኽትኰኑ፡ እቲ ዚሐይሽ ክትምርምሩ፡ እቲ ፍቕርኹምውን
ብፍልጠትን ብምስትውዓል ዘበለ ዅሉን ኣዝዩ እናበዝሔ ኪኸይድ፡ እዚ እልምን አሎኹ።
ስለ'ዚ ኣምላኽ ነቲ መጀመርታ ጎይታ ኪንቅብል እንከሎና ዝነበረና ስምዒታዊ ፍቕሪ ናብ ምፍላጥ ባህርኡን ቃሉን ኪንልውጦን ካብ ቑልዕነትን ስሚዒትን ወጺና ብፍልጠት ቃሉ በሲልና ንቃሉ እንኣምን ኪንከውን ይጽበየና ።
ለ. ብምእዛዝ ምዕባይ
******************
ወ. ዮሐንስ 𝟏𝟒:𝟐𝟏
እቲ ትእዛዛተይ ዘለዎ እሞ ዚሕልዎ ንሱ እዩ ዜፍቅረኒ።
ነቲ ዜፍቅረኒ ድማ ኣቦይ የፍቅሮ እዩ፡ ኣነውን ኤፍቅሮ ርእሰይ ከኣ እገልጸሉ።
እቲ ብጹሕ ክርስቲያን ንኣምላኽ ነቲ ብስምዒት ምፍቃርን ፍልጠት ቃሉን ሓሊፉ ናብ ምእዛዝ ኣምላኽ እዩ ዚኣቱ ኣምላኽ ድማ ብምእዛዝ ኬነስምሮ እዩ ዝጽበየና ።
ኣብ'ቲ የሱስ የውሃንስ መጥምቕ ኩሉ ጽድቂ ኪፍጽም
ይበኣኒ ኢዩ ኢሉ እተጠምቀሉ ሰዓት እግዚኣብሄር ብኡ ዝሰመርኩ ፍቱም ወደይ እዚ እዩ ኢሉ ኣብ ዝመስከረሉ ግዜ ምእዛዙ ኣመልኪቱ እዩ ተዛሪቡ ቀጺሉውን
ወ. ዮሐንስ 𝟖:𝟐𝟗
እቲ ዝለኣኸኒ ኸኣ ምሳይ አሎ። ኵሉ ሳዕ ባህ ዜብሎ
እገብር እየ እሞ ፡ በይነይ ኣይሐድገንን እዩ፡ በሎም።
ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል ተኣዘዘ ከኣ ይብለና ስለዚ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ቅዱሳን ኪረኣየሎም ዘሎዎ ደረጃታት
𝟏ይ ሓጎስን ባህታን ሰላም ወዘተ ሰጊርና ናብ ፍልጠትን ምትጋህን ንቃሉ ምስትንትስንን ምምርማርን ምምሃር ወዘተ ሓሊፍና ናብ ምእዛዝ ቃሉ ( ፍቃዱ ) ኪንኣቱ እዩ ።
𝟑ይ ኣብ ምድሪ ንኣምላኽ ብምእዛዝ ምስማር እቲ ዝዓበየ ኣምልኾ እዩ ።
𝟏ይ ሳሙኤል 𝟏𝟓:𝟐𝟐
ሳሙኤል ከኣ ፡ ንእግዚኣብሄርሲ ዚሐርር መስዋእትን
መስዋእቲ ሕሩድን ከም ምስማዕ ደሃይ እግዚኣብሄር
ገይሩዶ የሐጕሶ እዩ፧ እንሆ፡ ምስማዕ ካብ መስዋእቲ፡ ጽን ምባል ድማ ካብ ስብሒ ደዓውል ይበልጽ። እዚ
ሳሙኤል ንሳኦል ምሉእ ብምሉእ ስለዘይተኣዘዘ ዝበሎ ቃል እዩ ።
እግዚኣብሄር ይደግፈና ።
Comments