እንሆ ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ !
እንሆ ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ !
*************************
እዛ እትርእይዋ ዘሎኹም ጥቕሲ ካብተን ኣብ ናይ ከረን ስብከት ተባሂላ እትፍለጥ ናይ ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ናይ መንግስቲ ኣምላኽ መምርሒ እናሃበ እንከሎ እተዛረባ ሓሳብ እያ ።
እዛ ሓረግ እዚኣ ኣብ ምዕራፍ 7፡4 ዘላ ጥቕሲ ኮይና እታ ምዕራፍ ክትጅምር እንከላ
1-2 ብዝፈረድኩምሉ ፍርዲ ኺፍረደኩም ፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈርውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ ።
እዛ ምዕራፍ 7 ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ ብእትብል እያ ትጅምር ።
እስከ ናብዛ ኣብ ዓይንኻ ጉንዲ ኣሎ ትብል ሓሳብ ኣትኲር ኣቢልና ንመርምር ፡-
ብመጀመርታ ደረጃ ናብ ዝኾነ ውልቀ-ሰብ ኣመልኪቱ ኣይኮነን ተዛሪቡ ማለት ንጴጥሮስ ፡ ንዮሃንስ ወይ ንይሁዳ ኣስቆሮታዊ ኣመልኪቱ ኣይተዛረበን እዚ ማለት እዚ ጥቕሲ'ዚ ንሓደ ግለሰ ሰብ ወይውን ነቶም ኣብ'ቲ ግዜ ኣብቲ ኣኼባ ንዝተሳተፉ ሰባት ጥራይ ዝተዘርበ ዘይኮነስ ንኹሉና ደቂ ሰብ ኣብ ኩሉ ዘመናት ንዘሎና ዝምልከት ጥቕሲ'ዩ ማለት እዩ ።
ከም ዝተረዳእኩዎ ነዛ ጥቕሲ ንዘንበባ ኩሉ እትህቦ መልእኽቲ ኣብ ዓይንኻ ጒንዲ ኣሎ ዝብል እዩ ።
ዋላ እቲ ኣብ ዓይኑ በሰር እትሪኤሉ ዘሎኻ ሓውኻውን ንስኻ ደኣ ኢኻ ኣብ ዓይኑ በሰር ትሪኢ ዘሎኻ እንበር ንሱን ኣምላኽን ብዝፈልጥዎስ ከምቲ እቲ ቃል ኣምላኽ ንዓኻ ንዓይ ንኹልና ኣብዓይንኻ ጒንዲ ኣሎ ዝብለና ዘሎ ንሱውን ኣብ ዓይኑስ ካብቲ ንስኻ ወይ ኣነ ዝሪኤሉ ብአሰር ዝዓቢ ብዙሕ ነገር ኣሎዎ ።
እቲ ቃል ብዕምቖት እንተተረዲእና ካብቲ ኣብ ሰባት እንሪኦ ጉድለት ወይ ድኻም ኣባና እንሪኦ ኣዝዩ ከምዝበዝሕ ንምሕባር እዩ ።
ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ከም እነስተውዕሎ ኣብ ሰባት ካብ እንሪኦ ነገር መቸም ኣብ ገዛእ ርእስና እንሪኦ ኣዝዩ ዝበዝሔ እዩ ።
ይኹን እንበር እቲ ኣብ ገዛእ ርእስና እንሪኦ ዓቢ ይኹን ንእሽቶ ጉድለት ብቀዳምነት ንዓና ከም ዝጸልወናን ከም ዝሕትተናን ረሲዕና ብዛዕባ ናይ ካልኦት ሰባት ክንዛረብን ኪንቑጣዕን ኪንፈርድን ንርኤ ኣምላኽ እንተዘይ ረዲኡና ከምዝመስለኒ እዚ ባህርይ እዚ ናይ መብዛሕትና ደቂ ሰባት ባህርይ እዩ ።
ስለ'ዚ ኣብ ዓይኒ ሰብ ዘሎ በሰር እንርእስ ለኻ ኣብ ዓይንና ጒንዲ ከምዘሎ እናረኣና ኢና ማለት ኣብ ሰብ ካብ እንሪኦ ንላዕሊ ኣብ ገዛእ ር እስና እንሪኦ ይዓቢ እዩሞ ኣዒንትና ሰብ ክንርኢ ቅድሚ ምፍታንና ገዛእ ርእስና ክንርኤለን እሞ ብቀዳምነት ገዛእ ርእስና ኪርነጽሪ ብምቕጻል ድማ ነቲ ኣብ ሓውና ዘሎ ጉድለት ወይ በሰር ኣጸቢቕና ምርኣይ ኪንክእል ።
እቲ ብዝፈረድኩምሉ ፍርዲ ክትፍረዱ በቲ ዝሰፈርኩሙሉ መስፈር ድማ ክስፈረልኩም እዩ እትብል ኣብ ጥቕሲ ሓደ ናይዛ ምዕራፍ ዘላ ቃል እንተስተብሂልናላ በቲ ንሓና እንኹንኖ ከም እንኹነን በቲ ንሓውና እንፈርዶ ኣብ ሓውና ብምፍራድና ብተመሳሊ ጉዳይ ኣብ ገዛእ ርእስና ፍርዲ ነመሓላልፍ ኣሎና ማለት እዩ ።
ያዕቆብ 2: 12-13
ነቲ ምሕረት ዘይገበረስ ምሕረት ዜብሉ ፍርዲ ኪዀኖ እዩ፡ ምሕረትሲ ኣብ ፍርዲ ትምካሕ እያ እሞ፡ ከምቶም ብናይ ሓርነት ሕጊ ዚፍረዶም፡ ከምኡ ተዛረቡ ኸምእውን ግበሩ።
ሓውኹም ሓዲሽ ፍሳሃየ
ተባረኹ !
Comments