ዓሚቕ ትርጉም ጸጋን ሰላምን
ገላትያ ምዕራፍ 1፡3 ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብቲ ኸም ፍቓድ ኣቦና ኣምላኽ ካብዛ ሕጂ ዘላ እክይቲ ዓለም ምእንቲ ኼድሕነና ኢሉ ብሰሪ ሓጢኣትና ነፍሱ ዝሃበ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን፡ ጸጋን ሰላምን ይውረድኩም ።
እዚ ዝውቱር ኣዘራርባ ዝመስል ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መእተዊ ሰላምታ ኣብ ውሽጡ ሒዝዎ ዘሎ ዓብይ በረኸት ኣሎዎ ።
እዚ ሃዋርያ ነዞም ዝጽሕፈሎም ዘሎ ተቐበልቲ መልእኽቱ ዝኾኑ ሰብ ገላትያ ዝጽልየሎም ወይ ዝምነየሎም ዘሎ ክልተ ዓበይቲ ነገራት ኣብ መወዳእታ ናይዛ መኣተዊ ሓሳባቱ ብዘሎዋ ጸጋን ሰላምን ዝብላ ክልተ ዕዙዛት ቃላቱ ጾሎቱ ናብ ኣብ ኣምላኽ ( ምንዮቱ ) ኣብ ህይወቶም ክነግር እንከሎ ኢና እንሪኦ ።
ናይ መጽሓፍ ቅዱስ መምሃራን ብዛዕባ እዘን ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣዘውቲሩ ከም መእተዊ ሰላምታኡ ዝጥቀመለን ጸጋን ሰላምን ዝብላ ቃላት ኣብቲ ጳውሎስ ዜገልግሎሉ ዝነገር ዘመን ግዝኣተ ሮማ ዝውቱር ቅዲ ናይ ስሩዕ ኣጸሓሕፋ መልእኽቲ ማለት ግሪኻውያን ነታ ጸጋ ( charis እትብል ኣይሁድ ድማ ነታ ሰላም Shalom ዝብላ ቃላት ኣብ መእተዊ ደብዳቤታቶም ብተናጸል ይጥቀሙለን ከምዝነበሩ ይንገር ።
ጸጋ charis ዝብል ቃል ኣብ ግሪኽ ዝተወስደ ናይ ግሪኻውያን ዝውቱር ናይ ሰላምታ ባህሊ ኮይኑ ትርጉሙ ናይ እግዚኣብሄር መጐስ ፣ ምሕረት ረዲኤት ሓገዝ ምርካብ የጠቃልል ።
ሰላም shalom ዝብል ቃል ድማ ዝውቱር ናይ ኣይሁድነት ናይ ሰላምታ ባህሊ ሻሎም ካብ ዝብል ናይ እብራይስጥ ቃል ዝነቀለን ኣብ ደብዳቤ ጣራይ ዘይኮነ ንሓድሕድ ኣብ ዝራኸቡሉ ዝኾነ ይኹን ኣጋጣሚ ዝጥቀምሉ ዓብይ ናይ ምረቓ ቃል እዩ ።
እንተደኣ ኣብቲ ባህላዊ ኣጠቃቕማ ሪኢና ግና ግሪካውያን ንጸጋ ምስ ሰላም ኣተሓሒዞም ወይ ኣይሁዳውያን ንሰላም ምስ ጸጋ ኣተሓሒዝ ከምዚ ጳውሎስ ኣብ ኩሉ መእተዊ መልኽታቱ ክጥቀመሎም እንሪኦም ዘሎና ንኽልቲኦም ኣተሓሒዞም ይጥቀሙሎም ከምዚነበሩ ኣይንረክብን ኢና ።
ሓደ ግቡእ ዝኾነ ሕቶ ኪለዓለና ይኽእል ይኸውን ከምዚ ዝብል ስለምንታይ ጳውሎስ ነዚ ናይ ክልተ ተጻረርቲ ባህልታት ዓበይቲ ሓሳባት ኣጣሚሩ ባህጉን ጸሎቱን ንተቐበልቲ መልእኽቱ ኬመሓላልፍ ፈትዩ ንዝብል ሓሳባት መልሲ ዝኾኑና ሓሳባት ንምርኣይ 5 ነጥብታት ኪንሪኢ ደስ ይብለኒ ።
ብመጀርመያ ኪንሪኦ ዘሎና ነገር ኮይኑ ዝስመዓኒ ሃዋርያ ጳውሎስ ነዘም ዓብይ ትሕዝቶ ዘሎዎም ክልተ ጸጋን ሰላምን ዝብሉ ቃላት ብዕምቆት ንምርድኦም ኣብ ዜኽእሎ ሄለናዊ ባህሊ (Hellenistic culture) ማለት ብትውሉዱ ኣብ ጠርሴስ ናይ ቅልቂያ ግሪኻዊ ቋንቋን ባህልን ዝሰፈሎ ሮማዊ ግዝኣት ዝተወልደ ኮይኑ ግና ብዓሌቱ ስራኤላዊ ንሃይማኖቱ ኣጥቢቑ ዝሓዘን ናይ ኣብ ቋንቋ ኣብራይስጢን ሃይማኖት ኣይሁድነትን ሰላም ዝብል ቃል ክሳዕ ክንደይ ዕዙዝ ትርጉም ከምዘሎዎ ጽቡቕ ጌይሩ ኪርዳእ ስለዘኽእሎን እዩ ።
ኣብ ምድሪ ኪንነብር እንከሎና ንኹልና ደቂ ሰባት ኣድላይነት እዞም ክልተ ዓበይቲ ነገራት ማለት ጸጋን ሰላምን ክሳዕ ክንደይ ዕዙዝ ከምዚኾነ ስለዝተረድኤን ብቀዳምነት ኣብ ህይወት ሰ ኪረጋገጹ ዘሎዎም ዓብይቲ ባእታታ ምዃኖምን ስለእተረድኤን እዩ ። ንጢሞቴዎስ ኣብ ዝጸሓፈሉ መልእኽቱ ከም ኣብነት እንተወሲድና
1ጢሞ,2:1 እምብኣርከ ስለ ዅሉ ሰብብዅሉ ኣምልኾን ምርዛንን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ምእንቲ ኽንነብርሲ ስለ ነገስታትን ስለ ዅሎም መኳንንትን ልማኖን ጸሎትን ምህልላን ምስጋናን ኪግበር ቅድሚ
ዅሉ እምዕድ አሎኹ። ካብዛ ጥቕሲ ከም እንሪኦ ጳውሎስ ብቐዳምነት ኪረጋገጽ ዘሎዎ ነገር ሰላም ስለዝኾነ ኣብ ምእተዊ ሰላምታኡ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ትሕዝቶ መልእኽቱውን ሃዲእና ብዘይ ህውከት ( ብሰላም ምእንቲ ኪነንበር ) ቅድሚ ኹሉ እምዕድ ኣሎኹ ኪብል ንጢሞቴውስ ኪምዕዶ እንከሎ ንርኢ ።
3, እቲ ሳልሳይ ምኽኒያት ሃዋርያ ጳውሎስ መልእኽቱ ሰፊሕን ናይሁድን ንግሪኻውን ዜጠቃልል ማለት ንህዝብን ኣህዛብን ዚሓቖፈ መልእኽቲ ስለዘሎዎ ኩሎም ብዝርድእዎን ዝቕበልዎን መልክዕ ኪቐርቦም እንከሎ ንሪኢ ።
ሮሜ 1.14 ንጽርኣውያንን ንኻልኦት ኣህዛብን ንለባማትን ንዓያሱን ዕዳ ኣሎኒ። ዝብል ዓላማ ዝሓዘ ስለዝነበረ ንኹሎም ንምጥቕላል ምእንቲ ኪኽእል እዩ። እቲ ኣዝዩ ዝምስጥ ነገር ሃዋርያ ጳውሎስ ኣብዚ ጥቕሲ ኣገዳስነት ጸጋን ሰላምን ጥራይ ኣይኮነን ኣዕዚዙ ዚጠቅስ እቲ ኣትኲሩ ዚዛራበሎ ካልኣይ ነጥቡ እቲ ሰጋን ሰላምን ዝርከበሉ ምንጪ እዩ ።
ጳውሎስ ንተቐበልቲ መልእኽቱ ዝተመነየሎም (ዝጸለየሎም ) ጸጋን ሰላምን እቲ ካብ እግዚኣብሄር ዝኾነ እንበር ምሉእ በረኸት ዝህብ ጸጋን ምሉእ ዕረፍቲ ዝህብ ሰላምን እንበር ብኻልእ መንገዲ ዝመጽእ ከምዘይኮነ ኣብ ኩሉ ጽሑፋቱ ኣነጺሩ ኣቐሚጥዎ ንረኽቦ ።
እስኸ ሕጂ ኣብ ህይወትና ንሕሰብሞ ንኻልኢት ብዛዕባ ኣገዳስነ ጸጋን ሰላምን ብኩሉ መዳይ ህይወትና ነስተብህል ።
ሓውይ ሓብተይ ኣብዛ ሓሳብ ምስ ነበርካ ንዘለኣለም ጠንጢንካያ እትኸይድ ግዚኣዊትን ምድራዊትን ህይወትካ ዚበጽሑኻ ዘሎው ዕበይትን በዳህትን ኩነታትን መልሲ ዘይረኸብካሎም ናይ ህይወት ሕቶታን ብኸመይ ክትምልሶም ትኽእል ፤
ሓደ እዋን ሓደ ብቑሳዊ ነገር ኣዝዩ ዝተባረኸ ሰብኣይ ነበረ እዚ ሰብኣይ ብዙሕ ፋብሪካታት ዝውንን ብዙሕ ንብረትን ሃብትን ዘሎዎ ብብዙሕ ኣጋይጹ ዝነበር እቲ ዝነበረሉ ቤት ኣዝዩ ዓብይ ቢላ ኣይኮነን ውሽጡ ብደጊኡ ንምርኣዩ ሃነን ዜብል ካብቲ ብወጻኢ ዘሎ ደገ ቤቱ ጀሚሩ ክሳዕ ውሽጢ ደንቤኡ ብዙሕ ኣታኽልትን ዕምባባታትን ዝተመልኤ ቤት ዘሎዎ ። መካበብያ ገዛኡ ብብሉጽ ኣእማን ዝተነድቀን ማንም ዘሊሉ ከይኣቱ ድማ ብሓጺን ዝተጋረደን ቤት ኮይኑ ብደገ ኬንካ ንውሽጢ ምስ እትምልከት ድማ ኣዝዪ ዜንጸባርቕ 4 ደረጃ ዘሎዎ ህንጻን ብዜንጸባርቕ ናይ ቤት ንብረት ዚተመልኤ ምዃኑ ብቐሊሉ ምስትውዓል ይከኣል ።
ኣብቲ ቤት ንኹሉ ኣድላዪ ኣገልግሎት እቲ በዓል ቤት ምእንቲ ኬማልኡ ካብቲ ኣብ ኣፍደገ ዝተቐመጠ ዋርድያ ጀሚርካ ብዙሓት ኣገልገልቲ ኣብቲ ቤት ምርኣይ ልሙድ እዩ ።
ብደገ ናይዚ ከምዚ ዚኣመሰለ ዓቢን ውቑብን ቤት ግና ሓደ ሓንቲ ዓራት ገመድ ዝውንን ንግሆ ካብ ድቃሱ ምስ ተንስኤ ኣብ ጥቃ እቲ ቤት ካብ ዘሎዉ ኣእዋም ኣብ እግሪ ሓንቲ ኦም ዓራቱ ኣጸጊዑ ምስ ከደ ኣበይ ከምዝውዕል ዘይፍለጥ ኮይኑ ግና ኣማስያኡ ካብታ ቦታ ዘይፍለ ድኻ ሰብኣይ ነበረሞ እዚ ሃብታም ሰብኣይ ከኣ ካብቲ ከባቢ ኪሰጐ ስልጣን እኳ እንተነበሮ ኮይኑ ግና እዚ ድኻ ሰብኣይ ኣብኡ ምድቃሱን ነታ ዝድቅሰላ ዓራቱውን ኣብታ እግሪ ገረብ ምቕማጡን ከም ዓቢ ነገር ስለዘይረኣዮ እዚ ድኻ ኣብ እግሪ ሓንቲ ኣብ ኣፍደገ እዚ ሃብታም ሰብኣይ ካብ ዘሎዋ ኣግራብ ናብርኡ ንንውሕ ዝበለ እዋን ተቐመጠ ።
ከም ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ ሃብታም በዓል ቤት ዚድቕሰላ ክፍሉ ቀጣታ ናብዛ እዚ ድኻ ሰብኣይ ዝድቕሰላ ገረብ እተርኢ ስለዝነበረት እዚ ሃብታም ሰብኣይ ድሕሪቲ መዓልታዊ ዜካይዶ ናይ ስራሕ ሰዓታቱ ኣማስያኡ ናብ ዓራቱ ምስ ዝድይብ ቀጥታ ዝሪኦ ነቲ ኣብ ኣብ እግሪ ገረብ ዘርጊሑ ኣብ ገመድ ዓራቱ ለጥ ዝበለ ሰብኣይ ምስ ዝምልከት ኩሉ ግዜ ሓደ ሕቶ እዩ ዚለዓሎ ከምዚ ዝብል ።
ካባይን ካብዚ ኣብዚ ጥዑም ኣየር ስግኣት ዘይብሉ በጥ ዝበልን ሰብኣይን መኔና ይህብትም ዝብል ሕቶ እዩ እዚ ሓሳብዚ ቀጻሊ ምስኮነን ብርግጽ ድማ እዚ ኣብ ዜንጸባርቕ ቤት ብብዙሕ ነገር ተኸቢቡ ድቃስ ስለዝ ሰኣነ ቀባሕባሕ ክብል ዚሓድር ካብዚ ብዝመጸ መጺኡ ዓራቱ ስሒቡ ምስ ተገምሰሰ ንኻሊት ከይጸንሔ ኣበይ ከምዘሎ ክሳዕ ዘይፈልጥ ኣብ ዓሚቕ ድቓስ ዝሽመም ሰብኣይን ሰብኣይን መኔና ይበልጽ ዝብል ሓሳብ ማዕረ እቶም ካልኦት መዓልታዊ ሕቶታት ብዘይውሕድ መጠን ንሓሳቡ ኪሕዝ ስለዝጀመረ ። ሓደ ነገር ኪፍትን ከምዘሎዎ ተሰምዖ እሞ ነዚ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ዝድቅስ ሰብኣይ ተሲኡ ቅድሚ ምኳዱ ኪረኽቦን ሕሰበእሞ ብዋርዳኡ ገይሩ ነቲ ሰብኣይ ክሳዕ ዋና እቲ ቤት ክሳዕ ዝመጽእ ኪጽንሖ ነገሮሞ ተጸበየ። ንወዮ ሃብታም ነዚ ድኻ ሰብኣይ ሃንደበት ሕቶ ኣቕረበሉ እቲ ሕቶ ድማ ከምዚ ዝስዕብ ነበረ ።
እቲ ሃብታም ሓሳቡን ውሳኔኡን ነዚ ድኻ ከምዚ ክብል ኪዛረብ ጀመረ ኣነ ዘሎኒ ኩሉ ክህበካ እሞ ንስኻ ንኹሉ ዘሎኒ ምስ ወንንካ ነዛ ዓራትካ ጥራይ ግደፈልይ በሎ ።
ወዮ ምስኪን ድኻ ከምዚ ዝበለ ዓቢይ ብስራት ምስ ሰምዔ ሎቶሪ ከምዚበጽሖ ብብዙሕ ሓጐስ ተሰራሰረ ከምስምምዕም ድማ እቲ ሃብታም ኣብ ዝወዓለ ዊዒሉ ናብታ ኣብ ደገ ዝጠቀመጠት ዓራቱ መጺኡ ተገምሰሰ ንወዮ ድኻ ድማ ብብዙሕ ሓጐስን ምስቶም ኣብ ዝተፈላለየ ቦታን ናይ ዕዮ ክፍልታት ዘሎዉ ሰራሕተኛታቱ ኪፋለጥን ግብጃታት ኪገብርን ቀነየ ።
እዚ ነገር ኣዚ እናቀጸለ ንነዊሕ እዋን ከደሞ ነዚ ነገር ናይ መዓልታዊ ህይወቶም ተሞኩሮ ኮነ ንወዮ ብሃንደበት ብዝረኸቦ ሃብቲ ኣዝዩ ዝተሓጐሰ ሰብኣይ እቲ ዝጀመሮ ህይወት ቀሊል ከምዘይኮነኳ እንተተረድኤ ግዚያዊ ናይ ስራሕ ክብደትን ቀስ ኣናበለ ምስ ተፈትሔ ድማ ናብቲ ሓሪምዎ ዘሎ ጥዑም ድቃሱን ከምዝምለስ ተስፋ እናገበረን ኣንተጸመመን ቀጸለ ።
ኪመጽእ ዝተጸበዮ ዕረፍቲ ኣይኮነን ኪመጽእ መመሊሱ ብብዙሕ እናደኸመን ዕረፍቲ ይኹን ድቃስ እናሰኣነን ምስ መጸ ሓደ መዓልቲ ንዋርድያኡ ከምዚ ክብል ተዛረቦ ።
ነዚ ኣብ ደገ ዝድቅስ ዘሎ ሰብኣይ ኣንጊሁ ከይወጽእ ኪጽበየኒ ንገሮ ብምባል ከምዚጽበዮ ገበሮሞ ረኸቦ ከምዚ ድማ በሎ ።
ክቡር ሓወይ ኣዚ ኣብዝሓለፈ እዋን ኣነ ናብቲ ናትካ ሃብትን ህይወትን ንስኻ ድማ ናብቲ ናተይ ድኽነትን ሰላምን ዕረፍትን ኪቀያየር ብዘምጻእካለይ ጠለብ ዝተኣታተናዮ ውዑል ብብዙሕ ጺዒረ መፍትሒ ስለዝሰኣንኩሉ ነፍሲ ወከፍና ናብቲ ቅድሚ ስምምዕ ዝነበርና ህይወት ኪንምለስ ብትሕትና እሕእተካ ኮይኑ ግና ነቲ ስለዘረኸብኩዎ ዓብይ ነገር ከምዝመስለኒ ዝነበረ ነገር እንታይ ምዃኑ ኪጥዕሞ ዕድል ስለዝሃብካኒ ኤመስግነካ ክብል ነናብ ቅድሚ ውዕል ዝነበረ ህይወቶም ተመልሱ ይበሃል።
እዚ ክንብል እንከሎና ጺዒርና ኣይንለወጥ ወይ ድማ ሃብትን ብልጽግናን ኣይንድለን ማለትና ዘይኮነ ሃብትን ብልጽግናን ንባዕሉ ሰላምን ዕረፍትን ኣይኮነን ወይ ድማ ድኽነትን ስእነትን ውሽታዊ ሰላም ይህብ እዩ ማለት ኣይኮነን የግዳስ በቲ ዘይረኸብና እናተስቐና ካብ እንነብር ብዘሎና ኬነመስግንን ከምዝከኣል በዘይ ሃብትን ቁሳዊ ነገርን ሰላምን ዕረፍትን ኪህልወናን ከምዚኽእል ፈሊጥና ንኣምላኽ እንውከል ዕሩፋት ኪንከውን ንምዝኽኻር እዩ ።
ጐይታና መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ንደቂ መዛምርቱ ኩሉ ግዜ ኪሕዝዎን ክስነዩሉን ዜዎም ነገር ኪነግሮም ኣንከሎ ብመጀመርታ ናብታ ኣትኣዉዋ ቤት ሰላም ንዓኻትኩም ይኹን በሉ ።
ሰላም ኣምላኽ ምስ ወንጌል ሰላም ብዝተሓሓዘ እንተዘይኮኑ ሓቐና ከመዘኮነ ከምኡውን ምስ ናይ ጸጋ ወንጌል ተተሓሒዙ ዝይመጽእ ጸጋ ጸጋ ሓቀኛ ብልጽግና ኣይኮነን ።
ኣግዚኣብሄር ዝህበና ሰላም ብምርካብን ብምስኣንን ዚቀያየር ኣይኮነን ዘለኣለማዊ ደስታን ሰላምን ኣዩ ። ነዚ ዓንይነት ዘላምን ደስታን ኪመዓራረዮ ዝኽእል ከምዘየሎ ኣመልኪቱ ጐይታና የሱስስ ክርስቶስ ኪዛረብ እንከሎ
ወ. ዮሐንስ 14 - 27 ሰላም እሐድገልኩም ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ ኣነ ዝህበኩም ዘሎኹስ፡ ከምቲ ዓለም እትህቦ ኣይኰነን። ልብኹም ኣይሸበርን ኣይሰምብድን።
ብዘይ እዚ ካብ ኣምላኽ ዝወሃብ መሎኮታዊ ዝኾነ ሰላም ኣምላኽ ህይወት ኣብዛ ምድሪ ጣዕሚ ይኹን ትርጉም ዘየብሉ ከምቱ ነገር እዩ እሞ ነዚ ሰላምን ዕረፍትን ዝህብ ጐይታ ብምፍላጥ ሰላምና ነረጋግጽ ማቴዎስ 11 - 28 ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይንዑ። 29-30 ኣነ ለዋህእየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም ። 
Comments